4 ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።
ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም።
ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ።
ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።
በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።
ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ።
ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ከመይ ገይሮም ንኢየሱስ ከም ዝቐትልዎ፥ ይበላሓቱ ነበሩ።
ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም።
ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ።
እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።
እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።
ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ።
ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።
ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።
ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ?