Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 6:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 6:2
14 Referencias Cruzadas  

በዝ ነገር እዙይ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። እቲ ንነገስታት ዝጐድእ ክፉእ ነገር ስለ ምንታይ እናበዝሐ ዝኸይድ?”


ኣነን ህዝበይን ንጥፍኣትን ንማሕረድን ንምድምሳስን ተቐሪብና ኢና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሼጥና እንተንኸውንስ ስቕ ምበልኩ፤ ንኣኻ ንንጉስውን ኣይመሸገርኩኻን ነይረ። ሕዚ ግና እቲ ፀላኢ ኸጥፍአናን ክድምስሰናን እዩ መዲቡ ዘሎ” በለት።


ብኢድ ሰነፍ መልእኽቲ ዝሰድድ፥ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርፅ፤ መከራውን ይሰቲ።


ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።


ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።


ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።


ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።


ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ።


ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤


እቲ ጐይታኡ ድማ ፀዊዑ ‘እዝ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ? ደጊም መጋቢ ኽትኮነኒ፥ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፥ ፀብፃብ መጋብነትካ ሃበኒ’ በሎ።


ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos