Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 5:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 5:8
9 Referencias Cruzadas  

ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።


ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”


“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።


ዳንኤል ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ንጉስ፥ ነዝ እትጥይቖ ዘለኻ ምስጢር፥ ክነግረካ ዝኽእል ጠንቋሊ ወይ ኣስማተኛ ወይ መውደቕ ዛዕጐል ወይ ቈፃሪ ኮኸብ የለን።


“ኣነ ንጉስ ናቡከደነፆር እቲ ዝረአኽዎ ሕልሚ እዙይ እዩ። ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን። ብልጣሶር፥ ንስኻ ግና፥ መንፈስ ናይቶም ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፥ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፥ ትርጕሙ ንገረኒ።”


“ኣነ ናቡከደነፆር ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፥ ኣብ ኣዳራሸይውን ደስ ኢሉኒ ነበርኩ።


ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።


ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos