5 በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ።
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
እዝ ቓላት እዙይ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ፦ “ኦ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ንኣኻ ተነጊሩካ እዩ፤ መንግስቲ ኻባኻ ተወሲዳ እያ።
እቲ ዅሉ ዝተነግረ፥ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ተፈፀመ፤ ፀጕሩ ኸም ናይ ንስሪ፥ ኣፅፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኮይኑ ኽሳዕ ዝነውሕ፥ ካብ ሰብ ተፈልዩ ተሰጐጐ፤ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዐ፤ ስጋኡውን ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
ሕዚ ኸዓ ነዞም ጠቢባንን ፈላጣትን፥ ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ኸንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ኸፍልጡኒ፥ ናባይ ኣምፂኦምዎም ነይሮም፤ ግና ትርጕም እቲ ነገር ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ።
ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፤ ግና ነታ ፅሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸዓ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን።
ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።