4 ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።
ሽዑ እቶም ኣዶንያስ ዝፀውዖም ኵሎም ፈርሑ፤ ተሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመንገዶም ከዱ።
እቶም ብቕርፂ ምስልታት ዝእመኑ፥ ንምስልታት ፍሲ ኸዓ፥ ‘ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም’ ዝብልዎም፥ ንድሕሪት ክምለሱ እዮም፤ የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።”
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።
ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፥ ኣብ መንፅር እቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ኣፃብዕቲ ኢድ ሰብ ወፂአን ፀሓፋ። እቲ ንጉስ ነታ እትፅሕፍ ኢድ ረአያ።
“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”
እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።