Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንጉስ ብልጣሶር ወይኒ ምስ ጠዓመ፥ ንሱን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ብእኡ ምእንቲ ኽሰትዩ፥ ነቲ ኣቦኡ ናቡከደነፆር ካብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዝወሰዶ፥ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ከምፅእዎ ኣዘዘ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 5:2
23 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ።


እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ።


ብድሕሪኣ ኸዓ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ድማ ንኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሰሎሚትን ወለደትሉ።


ንጉስ ኣሳ ድማ ንመዓካ እኖኡ፥ ኣብቲ ኣፀድ ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ዝነበራ ናይ ንግስቲ ኽብረት ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖት ቈሪፁን ጨፍሊቑን ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ።


እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።


ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።


ናቡከደነፆር ካብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣውፂኡ፥ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ዘቐመጦም ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወርቅን ብሩርን፥ ንጉስ ቂሮስ ካብ ባቢሎን ቤተ መቕደስ ኣውፅኦ፤ መስፍን ገይርዎ ንዝነበረ ሰሳብሳር ንዝበሃል ድማ ሃቦ።


ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።


“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።


እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።


መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።”


ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።


“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።


እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።


ሽዑ ነቲ ኻብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ፥ ኣቑሑ ወርቂ ኣምፅኡ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቍባቱን ከዓ፥ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።


በታ ለይቲ እቲኣ፥ ብልጣሶር ንጉስ ባቢሎን ተቐትለ።


ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።


ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos