Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 5:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኣብቲ እቲ ንጉስ፥ “ብልጣሶር” ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤል፥ ብሉፅ መንፈስን ፍልጠትን፥ ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላፅ ምስጢርን ምቕናዕ ዝተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ሕዚ እውን ዳንኤል ይፀዋዕ፤ ንሱ ነቲ ትርጒሙ ኸፍልጠካ እዩ በለቶ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 5:12
16 Referencias Cruzadas  

ኵሉ ፍቓድካ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዘለዉ ቕዱሳንን ክቡራንን እዩ።


ፃድቕ ንብፃዩ መንገዲ የርእዮ፤ ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም።


ውሑድ ቃል ዝዛረብ ፈላጥ እዩ፤ ህዱእ መንፈስ ዘለዎውን መስተውዓሊ እዩ።


እንሆ ኻብ ዳንኤል ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብአካን እዩ።


እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ።


እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም።


እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብልጣሶር ዝተብሃለ ዳንኤል “ነቲ ዝረአኽዎ ሕልምን ትርጕሙን፥ ክትነግረኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ።


ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ። ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን።


ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ፥ ብልጣሶር ተብሂሉ ዝተሰምየ፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ናባይ መፀ። ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዙይ ኢለ ተዛረብኩ፦


“ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ።


ንስኻ ግና ትርጕም ምትርጓም፥ ዝተጠላለፈ ነገር ከዓ፥ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ። እምበኣር ነዛ ፅሕፈት ክተንብባን፥ ትርጕማ ድማ ኽተፍልጠንን እንተ ኽኢልካስ፥ ቀይሕ ሃሪ ኽትለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ኸዓ ሳልሳይ ገዛኢ ኽትከውን ኢኻ” በሎ።


ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ።


ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን።


ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios