Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 5:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እታ ንግስቲ ኸዓ ድምፂ ንጉስን መኳንንቱን ሰሚዓ፥ ናብቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኣዳራሽ ኣተወት። ንሳ ድማ፦ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፤ ገፅካውን ኣይለወጥ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 5:10
10 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት።


ንስኻትኩም ብሓሰት ለበጥቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።


ኵሉ እትምልሱለይ መልሲ ሓሰት እዩሞ፥ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ እተፀናንዑኒ?


ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።


ንንጉስ ናቡከደነፆር ከዓ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።


ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ።


ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።


ድሕሪዙይ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ናብቲ ንጉስ ከይዶም “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios