3 ተኣምራቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ፤ ድንቅታቱ ኸመይ ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እዩ፤ ግዝኣቱውን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
“ስልጣንን ተፈራሕነትን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ብልዕልናኡውን ገባሪ ሰላም እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
ናይ ተኣምራቱ ምልክት ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ዘደንቕ ነገርውን ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።
መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ፤ ግዝኣትካውን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እዩ።
ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ፤ ኣዒንቱ ድማ ንኣህዛብ ይምልከታ፤ ዓመፀኛታት ንርእሶም ልዕል ልዕል ኣየብሉ።
በይኑ ዘደንቕ ተግባራት ዝገብር፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን።
መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።
ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
እግዚኣብሄር ከዓ ብምልክትን ብዘደንቕ ነገራትን፥ በብዓይነቱ ብዝኾነ ተኣምራትን፥ በቲ ኸም ፍቓዱ ዝዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ፥ ምስክርነቶም ኣፅኒዑ እዩ።
እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።