2 እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ዝገበረለይ፥ ተኣምራትን ዘደንቕ ስራሕን ክነግር ፅቡቕ ኮይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሐኒ፤ ብራእይውን ተደንግፀኒ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ካብ ደም ኣናግፈኒ፤ ኣንደበተይውን ብፅድቅኻ ኽትሕጐስ እያ።
ንምድሪ ተመልከትካያ፤ ኣርወኻያውን፤ ንሃብታውን የመና ኣብዛሕኻዮ፤ ፈለግ እግዚኣብሄር ማይ ዝመልአ እዩ፤ ከምኡ ተዳልዎ ኢኻሞ፥ ምግቦም ትህቦም።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ዅልኹም፥ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ዝገበረላ ኽነግረኩምስ ንዑ ስምዑኒ።
ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።
ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ።
ድሕሪዙይ ናቡከደነፆር ናብ ኣፍ እቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ “ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፥ ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንዑ ናብዙይ ውፁ” ኢሉ ፀውዖም። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ሓዊ ወፁ።
እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
“ኦ ንጉስ፥ ትርጕሙ እዙይ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ፥ ትእዛዝ ልዑል እግዚኣብሄር እዩ።
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።
እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።
“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።
ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ሽዑ ኢየሱስ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።