10 “እቲ ኣብ ምድቃሰይ እንተለኹ ዝረአኽዎ ራእይ ከምዙይ እዩ፦ እንሆ፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ማእኸል ምድሪ ኦም ረአኹ፤ ቁመቱ ኸዓ የመና ነዊሕ ነበረ።
ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።
ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ።
ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።