ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።