Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 4:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 4:1
16 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ናብቲ ደሓር ሓለቓ ሰላሳ ዝኾነ ኣማሳይ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረደ እሞ፥ “ኣታ ዳዊት ንሕናስ ናትካ ኢና፤ ኣታ ወዲ እሴይ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽካ ሓጊዙካ እዩ እሞ ሰላም፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን” በለ። ዳዊት ከዓ ተቐበሎም፤ ኣሕሉቕ ጭፍራ ድማ ገበሮም።


ንጉስውን ንሬሑም ሹምን ንሲምሳይ ፀሓፍን ነቶም ኣብ ሰማርያን ኣብ ካሊእን ኣብ ሰገር ንየው ሩባ ዝተረፉ ብፆቶምን ከምዙይ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፦


እቲ ዝለኣኽዎ ፅሑፍውን ከምዙይ ዝብል ነበረ፦ “ንንጉስ ዳርዮስ፥ ሰላም ይኹን።


ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።


በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም።


“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።


እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥


ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!


ንሱ የናግፍን የድሕንን፤ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”


እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ።


ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።


ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።


ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።


እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos