Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 3:4
13 Referencias Cruzadas  

በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሲዋን እትበሃል ሳልሰይቲ ወርሒ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ከምቲ ዅሉ መርዶክዮስ ዝኣዘዞ፥ ናብ ኣይሁድን ናብ ሹመኛታትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ኣሕሉቕ ናይተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት በብሃገር ከከም ኣፀሓሕፋኡ፥ በብህዝቢ ኸዓ ኸከም ቛንቋኡ፥ ንኣይሁድ ድማ ኸከም ኣፀሓሕፋኣቶምን ከከም ቋንቋኣቶምን ፀሓፉሎም።


ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።


“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።


ንስኻ ነፍሲ ወከፍ፥ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃ ደርፍን ዝሰምዕ ኵሉ ሰብ፥ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኽሰግደሉ ኣዘዝካ።


ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።


ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።


ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፦ ሰላም ይብዝሐልኩም።


ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ።


ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!


ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ።


ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”


ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos