3 ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።
ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።
እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።
እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት እትዛረቡን፥
ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤
እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፤ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም።
እግዚኣብሄር፥ ሓሳቡ ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍፀም፥ ሓደ ሓሳብ ኮይኖም፥ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎ፥ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ እሞ።