21 ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ።
ጐይታ ዮሴፍ ድማ ናብታ እሱራት ንጉስ ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ግና፥
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ካብ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ፀዊዑ ኸዓ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣሲሮም ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርብይዎም ኣዘዘ።
እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።
ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።
ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።