2 ንመኳንንትን ሹመኛታትን ኣሕሉቕን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን፥ ኣብ በብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን፥ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ምስሊ ንምረቓ ምእንቲ ኽእከቡ ለኣኸሎም።
ኢዮርብዓም ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፥ በዓል ገበረ። ነቶም ዝሰርሖም ምራኹት ክስውአሎም ኣብ ቤቴል ናብቲ መሰውኢ ደየበ። ነቶም ዝመረፆም ካህናት ኣብ ቤቴል ኣብቲ ዝስገደሉ ኣንበሮም።
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
እቶም መኳንንቲ፥ ሹመኛታት፥ እቶም ገዛእቲ ሃገርን ኣማኸርቲ ቤተ መንግስትን ኣብ ዙርያኦም ተኣከቡ፤ ንሳቶም እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነቶም ሓይሊ ኸም ዘይነበሮ፥ ካብ ፀጕሪ ርእሶም ሓንቲኳ ኸም ዘይተቓፀለት ረአዩ፤ ትርኢት ክዳውንቶም ድማ ኣይተለወጠን፤ ጨና ሓዊውን ኣይሓለፎምን።
ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን መማኽርትን መገብትን ዳያኑን ኣሕሉቕን ኣብ በብሃገሩ ዝተሸሙ ምስለኔታትን ነቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ምረቓ ተኣከቡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊውን ቆሙ።
ነቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽቶም ፀውዕዎም። እቶም ህዝቢ እውን ካብቲ ዝተሰውአ በልዑ፤ ንኣማልኽቶም ድማ ሰገዱ።
ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።
እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ።