16 ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን።
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
እቲ ሓለቓ ስሉባት ከዓ ንዳንኤል ብልጣሶር፥ ንኣናንያ ሲድራቅ፥ ንሚሳኤል ሚሳቅ፥ ንኣዛርያ ድማ ኣብደናጎ፥ ኢሉ ስም ኣውፅአሎም።
እምበኣር፥ ኦ ንጉስ፥ እቶም ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከመሓድሩ ዝሸምካዮም፥ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ዝበሃሉ ኣይሁድ፥ ትእዛዝካ ኣይቕበሉን፤ ንኣማልኽትኻ ድማ ኣየምልኹን፤ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም” በልዎ።
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”