1 ንጉስ ናቡከደነፆር ስሳ እመት ዝቑመቱ፥ ሽዱሽተ እመት ዝጐድኑ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣስርሐ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎንውን ኣቖሞ።
እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ሱሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ነተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት ይገዝእ ነበረ።
ጣዖታት ኣህዛብ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ፥ ስራሓት ብሩርን ወርቅን እዮም።
ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
ድሕሪዙይ ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ “ኣየ! እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንኣኣቶም ብምግባር፥ ዓብዪ ሓጢኣት ገበሩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰባት ነቶም ክሰግዱሎም ኢሎም ብብሩርን ብወርቅን ዝሰርሕዎም ጣዖታቶም ንፅሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤ ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤ ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤ ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።
ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።
ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”
ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።
ዳንኤል ስለ ዝለመኖ ኸዓ፥ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፤ ዳንኤል ግና ኣብ በሪ ቤት ንጉስ ነበረ።
ናቡከደነፆር ከዓ “ሲድራቅ፥ ሚሳቅ፥ ኣብደናጎ፥ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፥ ነቲ ኣነ ዘቖምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩም ሓቂ ድዩ?
ድሕሪዙይ እቲ ንጉስ፥ ንሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን፥ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ልዕል ልዕል ኣበሎም።
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
ወይኒ እናሰተዩ፥ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን ብዕንፀይትን ብእምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቶም የመስግኑ ነበሩ።
ንሳ፥ እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን።
“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።
እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።
ዝተቐረፀ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ነቲ ኣብ ምስልታት ኣማልኽቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ፤ እዙይ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርኹስ እዩ እሞ፥ መፈንጠር ከይኾነኩም፥ ካብኡ ንኣኻትኩም ሓደኳ ኣይትውሰዱ።
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።