9 ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
“እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ። ንሱ ድማ ‘ከይደ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ‘ንስኻ ኽተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በሎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።
“ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ እንተይተፀውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኽመውት ሕጊ ኸም ዘሎ ዅሎም ሓሻኽር ንጉስን ኣብ ግዝኣቱ ዘለዉ ህዝብን ይፈልጡ እዮም፤ እቲ ንጉስ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሐሉ ጥራሕ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይፅዋዕ፥ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ” በለት።
ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፤ ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ።
ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና። ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥ እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።
ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤ ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤ ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤ ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።
“ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብተን ካብ ልበን ፈጢረን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል፤ ኣንፃረን ድማ ተነበየለን።
“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”
እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ።
ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ።
ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።
እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ።
ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።
‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።