7 ንሳቶም ድማ መሊሶም “ንጉስ፥ ንኣና ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፤ ንሕናውን ትርጕሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብቛንቋ ኣራማይስጢ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን፤ ንኣና ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፤ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና” በልዎ።
እቲ ንጉስ ከዓ “እቲ ነገር ካባይ ከም ዝረሓቐ ስለ ዝፈለጥኩም፥ ጊዜ ንምንዋሕ ትፍትኑ ኸም ዘለኹም፥ ብርግፅ ፈሊጠ ኣለኹ።
ነቲ ሕልሚ እንተ ዘይነጊርኩምኒ ግና፥ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽተሕልፉ፥ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሰትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሰማሚዕኹም ኣለኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ኣነ ኸዓ ትርጕሙ ኸም እትነግሩኒ ኽፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።