Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 2:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 “ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፥ ውህብቶን ሽልማትን ዓብዪ ኽብርን ካባይ ክትቕበሉ ኢኹም። እምበኣርከስ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፤ ትርጕሙውን ኣፍልጡኒ” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 2:6
8 Referencias Cruzadas  

ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል፥ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ኣቐመጦ፤ ብዙሕ ዓበይቲ ውህብቶታትውን ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ድማ ገዛኢ ገበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎንውን ሓለቓ ገበሮ።


ሽዑ ብልጣሶር፥ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፥ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ኽኣስሩሉ ኣዘዘ። ኣብታ መንግስቲ፥ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።


ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።


ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።


ባላቅ ድማ ንበለዓም “ቀልጢፍካ ኽትመፅእዶ ኣይለኣኽኩልካን? ስለ ምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመፃእኻ? ክብርኻ ኸዕብዮ ዘይክእልዶ መሲሉካ?” በሎ።


ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ምድያምን ድማ ንጥንቍልና ዝኽፈል ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፤ ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ቓል ባላቅ ነገርዎ።


ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos