Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 2:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እቲ ንጉስ ከዓ “ነገሩ ኻባይ ርሒቑ እዩ፤ እቲ ሕልሚ ረሲዐዮ እየ፤ ነቲ ሕልምን ትርጕሙን እንተ ዘይነጊርኩምኒ፥ ክትስየፉ ኢኹም፤ ኣባይትኹም ድማ መደርበዪ ጓሓፍ ክኾና እየን” ኢሉ መለሰሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 2:5
10 Referencias Cruzadas  

ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፤ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ መውፅኢ ቐልቀል ገይሮምዋ ኣለዉ።


“ነዝ ትእዛዝ እዙይ ዝለወጠ ሰብ ድማ ናይ ገዛኡ ዓምዲ ተነቒሉ ንሱ ይሰቐለሉ።


ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።


ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።


እዙይውን ነቲ ንጉስ የመና ኣቘጥዖ፤ የመናውን ተናደደ፤ ኵሎም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ጠቢባን ድማ ኽቕተሉ ኣዘዘ።


“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።


ኣታ ሊቀ ጠቢባን ብልጣሶር፥ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኸም ዘለካን፥ ዘይትፈልጦ ምስጢር ከዓ ኸም ዘየለን እፈልጥ እየ እሞ፥ እቲ ዝረአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጕሙን ንገረኒ።


ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ።


በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ “ንኸተማ ኢያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝለዓል ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ንኣኣ እንትስርት በዅሪ ወዱ፥ ደገታታ እንተቕውም ከዓ እቲ ንእሽተይ ወዱ ይጥፋእ” ኢሉ መሓለ።


ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos