3 ንሱ ድማ “ሕልሚ ሓሊመስ ሕልሙ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ” በሎም።
ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ሕልሚ ሓሊመ፥ ዝፈትሐለይ ስኢነ፤ ንስኻ ግና ሕልሚ ኸም እትፈትሕ ሰሚዐ ኣለኹ” በሎ።
ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።
ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ።
ግና ሓደ ዘደንግፅ ሕልሚ ረአኹ፤ ኣብ መደቀስየይ ደቂሰ እንተለኹ፥ ሓሳባትን ራእያትን ንኣእምሮይ ኣጨነቐኒ።