13 ንጠቢባንውን ክቐትሉ ጀመሩ፤ ንዳንኤልን ነቶም ብፆቱን ከዓ ኽቐትሉዎም ይደልዩዎም ነበሩ።
ኣብ ልዕሊ ሕግኻ ዓመፅ ዝገብር፥ ዙፋን ዓመፅዶ ምሳኻ ኽሓብር ይኽእል እዩ?
ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም!
ስለዙይ ዳንኤል፥ ናብቲ እቲ ንጉስ፥ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፤ ኣትዩ ኸዓ “ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፤ ናብ ንጉስ ድማ ውሰደኒ፤ ኣነውን ትርጉም እቲ ሕልሚ ንንጉስ ክነግሮ እየ” ኢሉ ነገሮ።
ስለዙይ ብዕቤቱ፥ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን፥ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሑን ነበሩ። ክቐትሎ ንዝደለየ ይቐትሎ፤ ብህይወት ክነብር ንዝደለዮ ይሓድጎ፤ ልዕል ከብሎ ንዝደለየ ልዕል የብሎ፤ ከዋርዶ ንዝደለየ የዋርዶ ነበረ።