5 ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ።
እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ።
ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”
ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ።