4 “ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።
ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም።
በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
ዓይኒ ዝሪኡ ሰባት፥ ኣይዕመትን፤ ዝሰምዑ ኣእዛንውን ከዳምፁ እዮም።
ኣብ ማእኸል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፤ ሕግውን ሕተም።
ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።
ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”
እቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ዘለዉ ጥበበኛታት፥ ዝኾኑ ሰባት ንብዙሓት ክምህሩ እዮም። ግና ንቑሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ሓዊን ብምርኮን ብዘመተን ክወድቑ እዮም።
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
“ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።”
ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ።
ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ።
ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ።
ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ራእይ እዙይ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክኸውን ዘለዎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፥ ደሓር በቲ ዘመን ቍጥዓ እንታይ ከም ዝግበር ከፍልጠካ እየ።
እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ? እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ” ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ።
እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።
ንኣይውን “እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ንቓል ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ምስጢር ጌርካ ብማሕተም ኣይትዕፀዎ።
ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ፥ ብውሽጡን ብደገኡን ዝተፅሓፈ፥ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ፥ ጥቕሉል መፅሓፍ ረአኹ።