2 ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ሰብ ብመጠን ፍልጠቱ ይነኣድ፤ ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ።
ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።
ስለዙይ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፤ እንሆ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት እየ፤ ኣቱም ህዝበይ ካብ መቓብራትኩም ድማ ኸውፅአኩም፥ ናብ ምድሪ እስራኤልውን ከእትወኩም እየ።
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”
ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ።
ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።
ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ?
ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።