6 ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ሓድነት ክፈጥሩ እዮም፤ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ፥ ስምምዕ ንምግባር፥ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመፅእ እያ፤ ግና ሓይሊ ቕልፅማ ኣይፀንዕን፤ ንሱን ቅልፅሙንውን ኣይፀንዕን፤ ንሳን እቶም ዘምፅእዋን፥ እቲ ዝወለዳን፥ እቲ በቲ ጊዜ እቱይ ዝደገፋን፥ ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም።
ካብቶም ክፉኣት ብርሃኖም ተኸልኪሉ፤ እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ።
ኵሉ መንገዱ ዝረኸሰ እዩ፤ ፍርድኻ ኣብ ቅድሚኡ ዝፈረሰ እዩ፤ ንዅሎም ፀላእቱውን ይገዝኦም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።”
“እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ።
ንጉስ ሰሜን ክመፅእ እዩ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸዓ ሓመድ ክድልድልን ክሕዛን እዩ፤ እቶም ናይ ደቡብ ሰራዊት ኣይዋግኡን እዮም፤ እቶም ሕሩያቶም እኳ፥ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን።
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
ካብ ሱራ ዝወፀ ውልዶ፥ ኣብ ስፍራኡ ኽለዓል እዩ፤ ንሰራዊት ንጉስ ሰሜን ክወግኦም፥ ኣብ ዕርዶም ኣትዩ ድማ ኽስዕሮም እዩ።
“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።