4 ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥
ኵሉ ሬሳታት ዝቕበሩሉን ሓሙዅሽቲ ዝጓሓፈሉ ለሰን፥ ኵሉ እቲ ገራሁ ኽሳዕ ሩባ ቄድሮንን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እታ ኸተማ ንሓዋሩ ኸቶ ኣይትንቀልን ኣይትፈርስንውን እያ።”
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።
ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ።
ሽዑ ንሱ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ ንንፋስ ተነበየሉ፤ ንንፋስ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣታ ንፋስ እዞም ቅቱላት ህያዋን ክኾኑስ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ነዓ እሞ፥ ኣብኣቶም ንፈስ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ።
ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።
እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።
“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር።
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፤ “ኵላ ንስንሳታ እትፈላለ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ እትፈላለ ዅላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ።
እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ።
ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ነበሩ።