Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 11:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 11:2
17 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ስራሕ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በዀረ፤ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስውን ተቛረፀ።


ብዘመን ኣርጤክስስ ከዓ ቢሽላም፥ ሚትሪዳጡ፥ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብፆቱን ናብ ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ፀሓፉ። ፅሕፈት እቲ ደብዳበ ኸዓ ብኣራማይስጥ ተፅሒፉ ነበረ እሞ፥ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጐመት።


ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ሱሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ነተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት ይገዝእ ነበረ።


እዚኣተን፥ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ክምህራኻ እየን።


ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።


“ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ፥ ብዓብዪ ሓይልን ትብዓትን ክለዓል እዩ። ንጉስ ደቡብ ከዓ፥ ዓቢይን ብርቱዕን ሰራዊት ኣኽቲቱ ኽዋግኦ እዩ። ግና ኻብቲ ዝተፍሓሰሉ ሻራ ዝተልዓለ ኽቐውም ኣይኽእልን እዩ።


እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።


እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።


እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”


እቲ ማጕላ በጊዕ ድማ ንምዕራብ፥ ንሰሜን፥ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፤ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ግና ኣይነበረን፤ ካብ ኢዱ ኸናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፤ ዓብዪ ድማ ኾነ።


ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።


እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥


እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos