12 ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን።
ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ።
‘እንሆ ንኤዶምያስ ስዒረዮ’ እናበልካ ብልብኻ ትዕበ ኣለኻ፤ ኣነ ግና ኸቢርካ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ እምዕደካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ንርእስኻን ንህዝቢ ይሁዳን መከራ እትደሊ?” በሎ።
ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ።
ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።
ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።
ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብንግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕኻ፤ ብምኽንያት ሃብትኻ ኸዓ ልብኻ ተዓበየ።”
ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም።
“እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ።
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።
ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።