1 “ኣነውን ዳርዮስ ሜዶናዊ ምስ ነገሰ በታ ቐዳመይቲ ዓመት፥ ንእኡ ንኽሕግዝን ንኸበርትዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ” በለኒ።
ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን።
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ።
ዳርዮስ ወዲ ኣርጤክስስ ሜዶናዊ፥ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ብመጀመርታ ዓመት፥
“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።