9 ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ።
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ።
ሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፥ ኣብ ዓራቱውን ምስ ደቀሰ፥ ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ።
ብሕልሚ ለይቲ ሓሳብ እንትለዓል፥ ዝኸበደ ድቃስውን ኣብ ልዕሊ ሰባት እንትወድቕ፥
ኣነ ደቂሰ እየ፤ ልበይ ግና ነቒሑ እዩ፤ ድምፂ ፍቱወይ እዩ፤ ንሱውን ማዕፆ ይዅሕዅሕ ኣሎ። “እቲ ርእሰይ ጠሊ፥ ጐተናይ ከዓ፥ ኣውሊ ለይቲ ጠልቅዩ እዩ እሞ፥ ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።”
ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።
ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤ ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤ ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።
ካብ ፀሎቱ ተሲኡ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ፥ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ደቂሶም ረኸቦም።
ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥