8 ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ።
ካብ ጰኒኤል ክለዓል እንተሎ ፀሓይ በረቐቶ። ምሕዅልቱ መሊቛ ስለ ዝነበረት ከዓ ይሕንክስ ነበረ።
ንሱ ኸዓ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ከመይ ኢላ እያ ዘይትቃፀል? እስኪ ነዝ ዓብዪ ትርኢት እዙይ ቅርብ ኢለ ኽርኢ” በለ።
ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ።
ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን።
ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።
ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤ ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤ ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።
ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ።
የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።
እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።
ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥