7 ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ።
ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንጀራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፤ ማይካ ኸዓ ብፍርሓት ቀጥቀጥ እናበልካ ስተ።
እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ፤ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑን።
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ።
እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።