6 ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
ኣብ ራብዓይ መስርዕ፥ ክርስቲሎቤ፥ ኦኒክስ፥ ኢያሰጲድ። ነዝ ዅሉ ብትንጎ ወርቂ ኣብ ዝተሰርሐ ስዅዓዮ።
ኣእዳዉ ብዕንቊ ተርሴስ ዝተሰንቀራ፥ ወርቂ ቐለበት እየን፤ ደረቱ ብሰንፔር ዝተሸለመ፥ ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።
እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ ብርለ ነበረ፤ ኣርባዕቲኡውን ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰራዅር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።
ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
ኣእጋሮም ቀጥ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፤ ከብዲ እግሮም ከዓ፥ ከም እግሪ ሸዀና ምራኽ ነበረ፤ ከም ርሱን ነሃስ ድማ ብልጭልጭ ይብል ነበረ።
ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ሓሓንቲ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ፤ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ከም ሕብሪ እምኒ ቢረሌ ነበረ።
ናብኣ ኸዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ድማ ኸም ነሃስ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፥ ገመድ ልሕፂ እንጣጢዕን፥ ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብታ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።
ሽዑ ረአኹ፥ እንሆ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ ነበረ፤ ካብቲ ምስሊ ኻብ ሕቘኡ ንታሕቲ ሓዊ፥ ካብ ሕቘኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንፀባርቕ ወርቅን ዝመስል ነበረ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንፀባርቕ፥ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።
ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ።
ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፥ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን፥ እቲ ሻውዓይ ክርስቲሎቤ፥ እቲ ሻምናይ ቢረሌ፥ እቲ ታሽዓይ ወራውሬ፥ እቲ ዓስራይ ክርስጵራስስ፥ እቲ መበል ዓሰርተ ሓደ ያክንት፥ እቲ መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ።