16 ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
ሙሴ ግና “በይዛኻ ጐይታ! ብኢድ እትልእኾ ሰብ ደኣ ለኣኽ” በሎ።
ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ትካዘ ኣሎ፤ ፍልጠት ዝውስኽ ድማ ሓዘን ይውስኽ።
ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።
እንትዛረበካ ግና፥ ንኣፍካ ክኸፍቶ እየ፤ ንስኻውን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ ክትብሎም ኢኻ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ዝሰምዕ ይስማዕ፤ ዝኣቢውን ይእበ።”
እቲ ዘምለጠ እንተይመፀ እንተሎ፥ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መፂኣ ነበረት። ንፅባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመፀኒ ኸዓ ኣፈይ ከፈተለይ። በዝ ከምዙይ ኣፈይ ተኸፍተለይ፤ ድሕሪዙይ ከዓ በሃም ኣይኮንኩን።
ሰማዕኹ ድማ፥ ግና ስለ ዘየስተውዓልኩ “ጐይታይ፥ ናይዝ ኵሉ መወዳእታ እንታይ እዩ?” በልኩ።
ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ። ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን።
ኣነ ዳንኤል ኣብ ውሽጢ ስጋይ መንፈሰይ ደንገፀ፤ እቲ ራእያት ከዓ ርእሰይ ኣጨነቐኒ።
ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ረአኹ፥ ከስተውዕሎ ደለኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።
ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ።
ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።
ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን።
እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።
ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ፤ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣመስገኖ።
እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።
ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።
ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
ኣብ ማእኸል እተን ቀወምቲ ቐናዲል ከዓ፥ ክሳዕ እግሩ ዝተኸድነ፥ ብቕናት ወርቂ እውን፥ ክሳዕ ኣፍ ልቡ ዝተዓጠቐ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ረአኹ።
ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ።
ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።
ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ።