12 መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ።
ንነፍሰይ ብፆም ቀፃዕኽዋ፤ ንፀርፊውን ኮነኒ።
ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ሽዑ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽምልሰልካ እዩ፤ ክተእዊ ኢኻ፤ ንሱ ድማ ‘እኒሀኹ’ ኽብለካ እዩ።
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ።
እዛ መዓልቲ ንኣኻትኩም ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ ርእስኹም ኣዋርዱ፤ እዙይ ንሓዋሩ ዝነብር ሕጊ እዩ።
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ሽዑ ኢየሱስ “ኣይትፍርሓ፤ ናብ ኣሕዋተይ ከይድክን፥ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ድማ ኽሪኡኒ እዮም” በለን።
እቲ መልኣኽ ድማ ነተን ኣንስቲ “ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርሓ።
ንሱ ግና “ኣይትደንግፃ፤ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን፤ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን፤ እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ።
እቲ መልኣኽ ድማ፦ “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።
እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ።
እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል?
‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥