11 ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
“ስለዙይውን ልበይ ኣንቀጥቀጠ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ ተወሳወሰ።
ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።
ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።
እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ” በለኒ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን።
[ፍርሓትን ራዕድን] ምድናቕን ሒዝወን ነበረ እሞ፥ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጐየያ፤ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ኸዓ፥ ንሓደኳ ኣይነገራን።
ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ፥ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ።
ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ።
ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ።
ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ።