5 እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ።
ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ።
እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!
ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ዅልሻዕ ካብ ንጉስ ይወሃቦ ነበረ።
እዞም ሰብካን፥ እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሞም ጥበብካ ዝሰምዑ ሓሻኽርካን፥ ክንደይ ዕድለኛታት እዮም!
እንጀራ ሓሰት እዩሞ፥ ንጥዑም ብልዒ ኣይትብሃጎ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።
እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ።
ዳንኤል ግና፥ በቲ ምግቢ ንጉስን፥ በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፥ ብልቡ ሓሰበ፤ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤
እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ።
ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።
እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”
ሳኦል ድማ ንእሴይ “ዳዊት ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎሞ፥ ኣብ ቅድመይ ይቑም” ኢሉ ለኣኸሉ።