Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 1:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ንሳቶምውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምግልጋል ዝኽእሉ፥ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ኣወዳት እዮም። ኣብ ሰብነቶም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ምልኩዓት፥ ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልቲ፥ ዝኾነ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ኽእለት ዘለዎም፥ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎም ክኾኑ ኸም ዘለዎም፥ ናይ ባቢሎን መፃሕፍትን ቋንቋን ከዓ ኽምህርዎም ከም ዘለዎም ኣዘዘ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 1:4
23 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ።


ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን።


ብሞያኡ ኽኢላ ንዝኾነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን።


ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ገዛእቲ፥ ጥበብ ንጥበበኛ ዝበለፀ ተበርትዖ።


ሽዑ ኤልያቄምን ሳምናስን ኢዮኣስን ንራፋስቂስ “ቋንቋ ሶርያ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ ንባሮትካ ብእኡ ተዛረበና። ግና ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅፅሪ ዘለዉ ህዝቢ፥ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።


ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።


እቶም ከለውዳውያን ድማ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ነቲ ንጉስ ዝጠየቖ ጥያቐ፥ ክምልስ ዝኽእል ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይርከብን። ንጉስ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እንተ ኾነ እኳ ንዝኾነ ጠንቋላይ፥ ኣስማተኛ ወይ ኮኸብ ቈፃሪ ጠይቑ ኣይፈልጥን።


ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።


በቲ ጊዜ እቱይ ገሊኣቶም ከለዳውያን፥ ናብ ንጉስ ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።


ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።


መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ንሱ ብዘመን ኣቦኻ ምስትውዓልን ፍልጠትን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጥበብን ተረኸቦ። ኦ ንጉስ፥ ኣቦኻ ንጉስ ናቡከደነፆር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ዓዘምትን ከለዳውያን ሸሞ።”


ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።


ዳርዮስ ወዲ ኣርጤክስስ ሜዶናዊ፥ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ብመጀመርታ ዓመት፥


ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ጕየ፥ ነቲ ጐበዝ፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ውሽጣ ኻብ ዘሎ ብዝሒ ሰብን ከፍትን ዝተልዓለ፥ ቅፅሪ ኸም ዘይብላ ኸተማ ኽትከውን እያ።


ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።


ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።


ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።


ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos