3 እቲ ንጉስ ከዓ ንኣስፋኔዝ ሓለቓ ስሉባት፥ ካብ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ዓሌት ንጉስን፥ ካብ ወለዶ መሳፍንትን መናእሰይ ዝኾኑ ሓርዩ ኸምፅአሉ ኣዘዞ።
ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር።
ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ።
ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ።
ኣወዳትን ኣጓላትን ቈልዑ ኽትወልዱ ኢኹም፤ ግና ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም ኣይኾኑን እዮም።