2 እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።
ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
ብዘመን ኢዮኣቄም፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፀ። ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝአሉ። ግና መሊሱ ዓመፀ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።
ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ።
ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ኣውፂኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንጉስ ቂሮስ ኣውፅኦ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ኣነ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝብን “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ፥ ሕዚ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ክምለስ እዩ፥ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዘለዉ ነቢያትኩም፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ ኣይትስምዕዎም።
ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ።
ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።
ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎ። እቲ ንጉስ ከዓ ንዳንኤል “ካብቶም ኣቦይ ንጉስ፥ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም፥ ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝኾንካ፥ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
“ኦ ንጉስ፥ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ናቡከደነፆር፥ መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።
ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን።
ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።
ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ እሞ፥ ናብ ኢድ ኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንኵሰርሰቴም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ።
እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢድ እቲ ኣብ ሓፆር ነጊሱ ዝነበረ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ኣሕሊፉ ሃቦም። ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ሲሳራ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ኣሪሶት ኣህዛብ ዝቕመጥ ነበረ።
ናብ ቤት ዳጎን ኣእትዮም ከዓ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ።