18 እታ ንጉስ ናብኡ ኽኣትዉላ ኢሉ ዝወሰና መዓልቲ ምስ በፅሐት፥ እቲ ሓለቓ ስሉባት ነቶም መናእሰይ ናብ ቅድሚ ናቡከደነፆር ኣእተዎም።
እግዚኣብሄር ከዓ ነዞም ኣርባዕተ መናእሰይ እዚኣቶም፥ ኵሉ ፍልጠትን ምስትውዓል መፃሕፍትን ጥበብን ሃቦም። ዳንኤል ድማ ብዅሉ ራእያትን ሕልምታትን መስተውዓሊ ነበረ።
እቲ ንጉስ ምስ ኣዘራረቦም ድማ ኻብ ኵሎም ከም ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን ዝበለ ኣይተረኽበን። ስለዙይ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆሙ።
እቲ ንጉስ ድማ፥ ካብቲ ዝበልዖ ምግብን፥ ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን፥ መዓልቲ መዓልቲ ድርጎ ሰርዐሎም። ሰለስተ ዓመት ምስ ሰልጠኑ ኸዓ፥ ብድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቖሙ ኣዘዘ።
ሽዑ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፥ ነቲ ሕልሙ ንኽትርጕመሉ ጊዜ ኽህቦ፥ ንንጉስ ለመኖ።