12 “እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ።
ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥
ደሓር ገፅናን ገፅ እቶም ምግቢ ንጉስ ዝበልዑን ረአየና፤ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ።
ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም።
ኵሉ ንምብላዕ ከም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ኣትክልቲ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ።
ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠኩም፥ ንሱ ኣጨነቐኩም፤ ኣጥመየኩምውን፤ ንስኻትኩም ዘይፈለጥኩምዎ ኣቦታትኩም እውን ዘይፈለጥዎ መና ኣብልዐኩም።
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።