11 ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ኣናንያን ሚሳኤልን ኣዛርያስን፥ መጋቢ ገይሩ ዝሸሞ ሜልዳር፥
ግና እቲ ሓለቓ ስሉባት ንዳንኤል “መብልዕኹምን መስተኹምን ንዝኣዘዘልኩም ንጐይታይ ንጉስ እፈርሕ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ካብቶም ብዕድመ መሓዙትኩም ዝኾኑ መናእሰይ፥ ገፅኩም ዓቢሩ እንተ ተረኽበ፥ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕፅዕዋ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።
“እንበልዖ ጥረምረን እንሰትዮ ማይን ይወሃበና፤ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ንባሮትካ ክትፍትነና እልምነካ ኣለኹ።
ሜልዳርውን ነቲ ዝበልዕዎ ምግብን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፥ ጥረምረ ሃቦም።
ድሕሪዙይ ዳንኤል ናብ ገዛኡ ኸደ እሞ፥ ንመሓዙቱ ንኣናንያን ንሚሳኤልን ንኣዛርያስን፥ ነቲ ነገር ገለፀሎም።