8 ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
እቶም ሳምራውያን ከዓ፥ ናብኡ መፂኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።
ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።
ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ።