3 ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።
ኣነ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን፥ ኣብ ቤተ ፀሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፥ ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም።
ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ።
ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ።
ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ።
ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።
ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት፥ ኣሳጓጒ ቤተ ክርስቲያን፥ ሕጊ ብምፍፃም ንዝርከብ ፅድቂ ኸዓ፥ ነቐፌታ ዘይብለይ እየ።
ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።
ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?