2 ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
ኣብ ቂርያትኣርባቅ ሞተት፤ ንሳውን ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ኬብሮን እያ። ኣብርሃም ከዓ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን ጀመረ።
ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ኸዱ፤ የመና ብዙሕ ህዝቢ እውን ነበረ።
ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
ሕዝቅያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ መቓብር ደቂ ዳዊት፥ ኣብቲ ዝለዓለ ቦታ ነገስታት ድማ ቐበርዎ። ህዝቢ ይሁዳን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ።
ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ነቲ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ።
እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።
ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣህዛብ ዝመፁ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ኣይሁድ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ።
ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።
ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። ብድሕሪኡ ሓዘኖም ወድኡ።
በቲ ጊዜቱይ ሳሙኤል ሞይቱ ነበረ፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ከዓ ኣልቂሶምሉ፥ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ኣርማቴም ቀቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ ንጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ካብታ ምድሪ ኣጥፊእዎም ነበረ።