Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ግብሪ ሃዋርያት 7:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል።

Ver Capítulo Copiar




ግብሪ ሃዋርያት 7:8
20 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት።


ባላ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ።


ሽዑ ያእቆብን ስድራኡን ካብ ቤቴል ተልዓሉ። ንኤፍራታ ኽበፅሑ ቑሩብ መንገዲ ምስ ተረፎም፥ ራሄል ሕማም ሕርሲ ተትሓዘት፤ ፃዕሪ ኸዓ በርትዓ።


ክትመውት ኢላ፥ ነፍሳ ኽትወፅእ እንተላ ድማ ቤንኦኒ ኢላ ሰመየቶ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኢሉ ሰመዮ።


ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ከዓ ንኤሳውን ንያእቆብን ወለደ።


ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥


ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።


“ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ።


ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን።


ኣሕዋተይ፥ ከም ልማድ ሰብ እብል ኣለኹ፤ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን፥ ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን።


እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፥ ሕጊ መፀ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ፥ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ቀደም ዘፅንዖ ኺዳን፥ ኣየፍርሶን እዩ።


እዝ ሰብዙይ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረአዩ! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ፥ ኣስራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios